Search:
 
 

ሓወልቲ ሰማእታት

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝነበሮ መሪር ወፅዓ ንምንጋፍ ካብ ለካቲት 1967 ዓ/ም ክሳብ ግንቦት 1983 ዓ/ም ኣብ 17 ዓመታት አብ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ መስዋእቲ ንዝኸፈሉ ጀጋኑ መዘከርታ ሓወልቲ ክስራሕ ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ሓቂ ዝበሃል በሪኽ ቦታ ክስራሕ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ድሕሪ ምውሳኖም ኣብ 1984 ዓ/ም እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ፡፡

እቲ ሓወልቲ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቦታ ክስራሕ እንተሎ ድልየት ውልቀ ሰባት ንምምላእ ከምዘይኮነ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት እንትገልፁ እቲ ንሓወልቲ መስርሒ ዝኸውን በጀት ካብ መንግስቲ ዘይኮነስ ፈተውቲ ካብ ዝገበርዎ ሓገዝን ካብ ወፈያ ህዝብን ምኻኑ ናይቲ ዝተገለጸ ትኽክለኛነት ምርዳእ ይካኣል፡፡

ኣብ ምስራሕ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ መሃየኦም፣ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰራዊት ካብ ቐለቦምን መሃየኦምን፣ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ተጋሩ ዝገበርዎ ሓገዝን ብፍላይ ከዓ ጀጋኑ ኣዴታትን ኣቦታትን ሽንጉርቲ፣ኮሚደረን ካልኦት ሸቐጣትን ብምሽቃጥ ብዝረኸብኦ ሰልዲ መቐነተን ብምፍታሕ ዝገበረኦ ሓገዝ ኣዝዩ ተጠቃሲ እዩ፡፡ ብዝኾነ መስርሒ ሓወልቲ ሰማእታት ካብ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዝተአከበ ገንዘብ እዩ፡፡

Hawelti Sema'etat - Monument of the Martyrs

ሓወልቲ ሰማእታት ዝርከበሉ ትኽክለኛ ቦታ ኣብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ ዓዲ ሓቂ ኣብ ዝበሓል በሪኽ ቦታ እዩ፡፡እዚ ቦታ በሪኽ ብምዃኑ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ናብ ከተማ ክትኣትው ከለኻ እቲ ቐዲሙ ንዓይንኻ ዝአትው ንሱ እዩ፡፡እዚ ቦታ ዝተመረጸሉ ቐንዲ ምኽንያት ከተማ መቐለ ዋና ከተማ ክልልና ብምዃናን ዓዲ ሓቂ ማለት ካዓ ናይ ቅንዕና ቦታ ኮይኑ ቅድም ክብል ብተወለድቲ እቲ ከባቢ ተሰይሙ ዝጸንሐ እዩ፡፡ እቲ ሓወልቲ ዝሓዞ ቦታ 963.5 ትርብዒት ሜትሮ እዩ፡፡

ስራሕቲ ዲዛይን ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ኪኢላታት ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ ስራሕቲ እቲ ህንፃ ወፃእተኛታት ሓገዝ ምኽሪ ገይሮም፡፡ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ድማ ከባቢ 2ተ ዓመትን መንፈቕን ወሲዱ እዩ፡፡

ሓወልቲ ሰማእታት ክስራሕ ኮንትራት ዝወሰደ ትካል ኣፍሪክ ኮንሳልት ዝተብሃለ ኣማኻሪ ትካል ኮይኑ ኢንጂነር ገ/መስቀል ድማ ባዓል ዋና እቲ ትካል እዮም፡፡ ኣብ ክሊ እቲ ሓወልቲ ዝርከብ ቅርፂ ዝቐረጸ ድማ አርቲስት በቀለ ኣበበ እዩ፡፡ አርቲስት በቀለ ኣበበ ዝሰርሖ ምስሊ ብኮንክሪትን ሓፂንን እዩ፡፡ አብ ፈለማ እቲ ኣብዝሓ ቕርፂ ብሮንዝ ብዝተብሃለ መዓድን ክስራሕ እንተተሓሰበ ዓቕሚ ብምውሓዱ ድማ ብቴንዲኖን ስሚንቶን ክስራሕ እዩ ተጌሩ እቲ ሓወልቲ ሓዊስካ አብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህንፃታት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ፍርያት ዝተሰርሑ እዮም፡፡

ኣጠቓላሊ ትርጉም ኣካላት ሓወልቲ ኣብ እንርኢ እቲ ሓወልቲ ኣብ ሓርፋፍ ወይ ካዓ ሻሕኳር መሬት ክዓርፍ ዝተገበረሉ ምኽንያት ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ምጅማር አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ በደል ማእለያ ዘይብሉ ከም ዝነበረ ንምግላፅ እዩ፡፡ኣብቲ ቃልሲ ዝተሳተፉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ከምዝኾኑ እውን ንምምላኻት ዝተሓሰበ እዩ፡፡ ቅርፂ እቲ ሓወልቲ እውን ኩነታት ናብራ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ዝገለፅ እዩ፡፡

እቲ ሓወልቲ ስፍሕ ካብ ዝበለ መሰረት እዩ ዝብገስ ቀንዲ መሰረት ቃልሲ ህዝቢ ከምዝኾነን ተሳትፎ ህዝቢ ዘይብሉ ቃልሲ ኣብ ዝተተለመ ሽቶ ክበፅሕ ከምዘይኽእል ንምግላፅ እዩ፡፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ከባቢ እግሪ ዝጎበጠ እዩ፡፡ እቲ ቃልሲ ኣብ መጀመርያ ከባቢ መከራ፣ፃምእ፣ጥምየትን ናይ ፖለቲካ ቃልስን ዝሓየለሉ ከም ዝነበረ ንምምልኻት እዩ፡፡ ካብኡ ቐፂሉ ቀጥ ዝበለን ንላዕሊ ዝተመዘዘን እንትኾን እዚ ድማ እቲ ቓልሲ ድሕሪ ብዙሕ ማሕለኻታት ዝቐንዐን ዝተጠመረን ምዃኑን አብ ሓፂር እዋን እቲ ዝድለ ዓወት ከምዝተረኸበን ዘመላኽት እዩ፡፡

ሓወልቲ ሰማእታት ልክዕ ኣብ ታሕቲ ከምዘሎኣብ ላዕሊ ውን ኣርባዕተ ጨንፈራት ኣለውዎ እዚ እውን ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ዝመጸ ሓረስታይ፣ሸቃላይን፣ምሁርን ድሕሪ እቲ ቃልሲ ቀሲኑ ንክነብር እቲ ቃልሲ ምችው ባይታ ዝፈጠረ ምኻኑ ይሕብር፡፡ እተን ኣርባዕተ ጨንፈራት ኣብ መወዳእታ ብወርቂ መዘውር ማለት ጊር ተኣሲረን እየን እዚ ድማ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝማዕበለ ሕ/ሰብ ዝፍጠር ምኻኑ እዩ፡፡

ኣብ መወዳኣታ ትርከብ ሉል እተመላኽቶ ህዝቢ ብሓደ ተጠሚሩ ናብ ልምዓት ምውፋሩን ሃገርና ክትዓብይን ክትምዕብልን ናይ ኩለን ብሄርን ብሄረሰባት ምትሕግጋዝን ሓደ ምኻንን ዘድሊ ምኻኑ እዩ፡፡ ወፍሪ ልምዓት ዘየቋርፅ ከይዲ ምኻኑ እውን ዘመላኽት እዩ፡፡

ኣብ ሕቁፊ እቲ ሓወልቲ ዝርከብ ሽግ ዘመላኽቶ ቁም ነገር እቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት እቲ ቃልሲ ኣብቲ ዝድለ ሽቶ ከም ዘብፅሕዎን እቲ ተሪፉ ዘሎ ድማ እቲ ዝተረፈ ተጋዳላይን ህዝብን ሓደራ ዝተቐበለ ምኻኑ ንምርዳእ እዩ፡፡ኣጠቓላሊ ቁመት እቲ ሓወልቲ 51 ሜትሮ ኮይኑ ብጎደሎ ቆፅሪ ምቕማጡ ናይ ባዕሉ ትርጉም ኣለዎ፡፡ እዚይ እውን እቲ ቃልሲ ገና ዘይተዛዘመ ጉዳይ ልምዓት፣ምንካይን ምጥፋእን ድኽነት ከምዘሎ እዩ፡፡ ሓወልቲ ሰማእታት ምስ ጥንታዊ ጥበብ ማለት ምስ ሓወልቲ ኣክሱም ብዝዛመድ መልከዑ ተሰሪሑ እዩ፡፡ ኣብ ኣቀማምጣ እውን እቲ ሓወልቲ ኣብ ከተማ ሕንጣሎ ናብ ዝርከብ እምባኣራዓዶም ገፀ ይጥምት እምባኣራዓዶም ከምዝፍለጥ ጣልያን ሃገርና ክወርር ኣብ ዝመጸሉ እዋን ሓርበኛታት ወለዲ ዝሰዓርሉ ታሪካዊ ቦታ እዩ፡፡

ክሳብ ሓዚ ዝተጠቐሰ ኣብ መጀመርያ ዙር ብዛዕባ ዝተሰርሐ ኮይኑ እቲ ኣብ ካልአይ ዙር ዝተሰርሐ ድማ ንሓወልቲ ሰማእታት ክድግፉን ከማዕብሉን ዝኽእሉ ስራሕቲ ዘጠቓለለ እዩ፡፡ ካብ ወርሒ መጋቢት 1990 ዓ/ም ጀሚሩ 4ተ ዓመታት ዝወሰደ ጊዜ ሓዱሽ ቴክኖሎጂን ዘመናዊነትን ዘለዎ 2200 ሰብ ዝሕዝ ዓብይ ኣዳራሽ ነብሲ ወከፍ 160ን 90ን ሰባት ክሕዙ ምስ ዝኽእሉ ክልተ ኮንፈረንስ ክፍልታት ምስ እዚኦም ዝተተሓሓዘ ቤት ብልዒ/ሬስቶራንት/ ተሃኒፅሉ እዩ፡፡

እቲ ቤት ብልዒ ባህላውን ዘመናውን ምግብታት ዝቐርበሉ እዩ፡፡ካብዚ ብተወሳኺ ካብ መፈለምታ ክሳብ መወዳእታ እቲ ቃልሲ ዘሎ ከይዲ ብፅሑፍን ካልኦትን ዝዕቀብሉ ሓደ ዓብይ ማእኸል ሙዝየምን ቤተመፃሕፍትን ተሃኒፆም እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ኩሉ ዓይነት ግልጋሎት ዘማልእ ካብ ኣጀማምራ ክሳብ ምዕዋት እቲ ቃልሲ ዝነበሩ ኩነታት ዘንጸባርቕ ታሪካዊ ፅሑፋት ዝቕመጠሉ እዩ፡፡

ሓወልቲ ሰማእታት ከጠቓልሎ ተባሂሉ ዝተረፎ መሐመስን ካልኦት ዘመናዊ መዛናግዕታትን እቲ ዝተረፎ ዓብይ ክፍቲ ቦታ ማለት 90000 ትርቢዒት ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ዘለዎ ንመካነ እንስሳት ተባሂሉ እዩ፡፡ አብዚ ጎብነይቲ ክህደስሎም ምእንታን ዝተፈላላ እንስሳት ዘገዳም ክራብሓ ዝግበር እዩ፡፡ ስለዚ አብ ከተማና ናይ ቱሪስት መስሕብ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ እቲ ሓደን ቐንድን ሓወልቲ ሰማእታት እዩ፡፡

 

 

 

© 2006 ArhoNet Computer and Web Servicese. All rights reserved.
P.o.Box 1437, Mekelle, Tigray, Ethiopia, +251-91-470 1498 info@mekellecity.com